18 592 774 książek w 174 językach
Jednak się nie przyda? Nic nie szkodzi! Możesz zwrócić produkty nawet do 30 dni
Bon prezentowy to zawsze dobry pomysł. Obdarowany może za bon prezentowy wybrać cokolwiek z naszej oferty.
Nawet do 30 dni na zwrot
ኣነ ነዛ መጽሓፍ ክጽሕፋ ዝገደደኒ ምኽንያት፡ ሓደ ልዑል ናይ ምሕደራ ባህጊ ስለዝነበረኒ ስለዘለኒ፡ ካብ ትዕዝብተይን ፍልጠተይን ድማ ንህዝቢ ብኸምዚ ክምራሕ ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ እዩ።
እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ብግምት ካብ ወዲ 14ተ ዓመት ከም ድሌት ይሓስቦ ነይረ፡ኣብቲ ዝነብረሉ ዓዲ ኣብ በሪኽ ጎቦታት ደይበ ነታ ዓዲ ክዕዘባ ከለኹ፡ውጥናት እናኣውጻኹ፡በዚ ክፋል ከምዚ ትገብሮ፡በዚ ክፋል ድማ ከምዚ ይኸውን እናበልኩ፡መምሕዳር እንተዝኸውን እናበልኩ ይውዕል ነይረ።
ኣብዚ ሕጂ ናይ 30ሳ ዕድመ ዘለኽሉ ግን፡በቲ ኣብ ሂወተይ ዝራኣኽዎ ምሕደራ ዓለምን፡በቲ ንሂወተይ ዘምጻኣሉ ጎዳኢ ሳዕቤንን፡ከምኡ'ውን በቲ ምፍላጥ ናይ ዓለም ምስጢር ኣፈጣጥራኣ፡እታ ዓለም ብ ሓሶት ታሪኻትን ብ ናይ ሰብ ምህዞ ሃይማኖታትን ስለዝተፈጥረት፡
እዚ ጸገማት ዓለም ድማ ንሱ መሰረቱ ምዃኑ ስለዝፈልጥኩ እየ፡እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓንጎለይ እናተማላለሰ ዘጨንቐኒ ሓሳባት ድማ ኣብ መጽሓፍ ክጽሕፎ ተበጊሰ፡ በቲ ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ድማ ከም መንግስቲ ክኸውን ተመንየ።
ገለ ክፋል ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶታት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝትዓዘብክዎ ጌጋታትን፡ ካብቲ ኣንጻር ሰብን ተፈጥሮን ዝኾነ ኣተሓሳስባታትን ፍልስፍናታትን፡ ካብቲ ናይ ሓሶት ታሪኻትን ሃይማኖታትን መግዛእቲ ናጻ ንምዃንን፡ ኩሉ ንጥፈታት ባህልታት ሕግታት ሃይማኖታት,,,ወዘተ፡ድማ ኩሉ ትሕቲ ሰብ ምዃኑ ንምሕባርን፡ሰብ ድማ ዋና ነብሱን ምንባሩን ባዕሉ ባዓል ስልጣን ምዃኑን ካልእን ንኽፈልጥን ንኽምሃረሉን ንምሕባር እዩ።
እዝን ካልእን ትሕዝቶታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።እቲ ኩሉ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ድማ ንሰብ ኣብ ምንባር ዘድልዮ እዚ እዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ፡ ኣነ ከም መንግስቲ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝደልዮ ሓሳባት እዩ።
ብሓፈሻ እቲ ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ውሽጣ እዩ ዘሎ።
ሰናይ ንባብ።
ሰናይ ንባብ።
ኣነ ከም መንግስቲ!
Cześć! Jestem Libroamiko, Twój doradca książkowy.
Jak mogę Ci pomóc?